መገዲ ኣየር ኤርትራ፡ መስመራት በረራኡ ንምስፋሕ ብዘውጸኦ መደብ መሰረት፡ ካብ 9 ታሕሳስ 2017፡ ካብን ናብን ኣስመራ – ካይሮን ሚላኖን ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ።

ሓላፊ ንግዲ ናይ’ቲ መገዲ ኣየር ኣቶ ገብረትንሳኤ ጴጥሮስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ፈለማ ናይ’ዚ ዓመት ኣትሒዙ ካብን ናብን ከተማታት ካርቱም፡ ጅዳን ዱበይን ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝጸንሐ፡ እዚ ናይ ካይሮን ሚላኖን መስመር ድማ ንገያሾ ኣማራጺ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ ገብረትንሳኤ፡ መገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ 22 ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ እውን ናብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን በረራ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories