ምምሕዳር ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ ዘካየዶም ስራሓት ዝግምግም ርክብ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣካይዱ።

ኣብቲ ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ጨናፍር ሚንስትሪታት ሓለፍቲ ህግደፍን ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ ገምጋም፡ መደባት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሕሪሻ፡ ቱሪዝም፡ ንግዲ፡ ባህልን ስፖርትን ንምዕዋት፡ ልዑል ዉህደት ኣካላት መንግስትን ህዝብን ከም እተንጸባረቐ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ተገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት ብዝዘነበ 195 ሚሊ- ሊትር ዝዓቐኑ ዝናብን ካብ ጐቦታት ብዝወረደ ዋሓይዝን 267 ሄክታር መሬት ክሕረስ ከሎ፡ 25 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ከም እተዳለወን ሰለስተ ዒላታት ከም እተዃዕታን፡ ካብ 99 ሄክታር ልዕሊ 7000 ኩንታል ኣሕምልትን ፍረታትን ከም ዝተረኽበ፡ ንመግቢ እንስሳ ኣብ 30 ሄክታር ብዝተኻየደ ናይ ምልማዕ ስራሓት 823 ኩንታል ቃንጫ ከም እተኣከበ፡ ብተማሃሮን ህዝብን ኣስታት 12000 ኣግራብ ከም እተተኽለ. . . ተፈሊጡ።

ተሳታፍነት ተማሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብሓፈሻ ናይ ደቂ- ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ – ምስ’ቲ ብቐጻሊ ዝግበር ወፍሪ ኣብ ትምህርቲ ዘይዳረግ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ብሕልፊ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንከልያ ቆላሕታ ዝሓትት ትሑት ተሳታፍነት ከም ዝረአ ተገምጊሙ።

ተሳተፍቲ፡ እርጋን ዘጋጠመን ኣብያተ-ትምህርቲ ቅልጡፍ ጽገና ክረኽባ፡ ጸገም መጓዓዝያ ፍታሕ ክረክብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ ሲዒድ ማንታይ፡ ተጠርዩ ዘሎ ናይ ስራሕ ድሲፕልን ኣብ ዓወትን ኣሳልጦን ዕማማት ልዑል ግደ የበርክት ስለዘሎ፡ ንምዕቃቡ ኣብነታዊ ኣመራርሓን ምትብባዕን ሓለፍቲ ክሕወሶ ኣዘኻኺሩ።

Categories