ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ልምዓት ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ንምውሓስ ተበጋጊሱ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ ዓዲ-ሃሎ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ 2 ሜጋ- ዋት ጸዓት ኤለክትሪክ ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተዋዲዱ።

ኣካያዲ ስራሕ ነቲ መደበር ዝሃነጸ ኤርትራዊ ትካል “ኢ-ቴክ” ሜጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም፡ እቲ ፕሮጀክት ብውሽጣዊ ዓቕሚ መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ከምእተተኽለ ብምሕባር፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ቀረብ ዝስተ ማይን ናይ ጸዓት ደገፍ ከምዝገብር ኣረዲኡ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ናይ መጀመርያ ተመኲሮ ዝተቐስመሉ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪን ገስጋሱን ዝተንጸባረቐሉ፡ ከምኡ’ውን ናይ ምግባር ዓቕሚ መንእሰያትና ዝያዳ ዝተጋህደሉ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ተቐሲሙ ዘሎ ተመኲሮን ተጠርዩ ዘሎ ክእለትን፡ ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ብስፍሓትን ብኣድማዕነትን ንምትግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊጹ።

ነዚ ናይ ዓዲ-ሃሎ ፕሮጀክት ናብ 4 ሜጋ-ዋት ክብ ንምባሉ መደብ ከምዘሎ፡ ጐድኒ-ጐድኑ ድማ ኣብ ገርገራ ናይ 2 ሜጋ-ዋት ፕሮጀክት ተበጋጊሱ ምህላዉ ዝጠቐሰ ሜጀር ኣኽሊሉ፡ ዓቕሚ ምምንጫው ጸሓያዊ ጸዓት ብምምዕባል፡ ቀረብ ጸዓት በብመድረኹ ክብ ንምባል ብውጥንን በብገጹን ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሳተፉ መንእሰያት፡ ብክልሰ-ሓሳብ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ምብቅዖም ፍናን ከምዝፈጠረሎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ስራሕ ዝተራእየ ውህደትን ምምልላእን፡ ምስጢር ዓወት ናይ’ቲ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ካልኦት ዞባታት ልምዓት እውን ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ጸሓያዊ ጸዓት ናይ ምውዳድ ውጥን ከምዘሎ፡ ኣብ ከርከበት ናይ 8 ሜጋ-ዋት ኣብ ገርገራ ድማ ናይ 4 ሜጋ-ዋት መደበራት ንምትካል ዝተበጋገሰ ዕማም ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories