ወለንታዊ ልግሲ ደም ንምዕዛዝ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ተመሃሮን መማህራንን ንኡሳን ዞባታት ከረንን ሓጋዝን 250 ዩኒት ደም ከምዝለገሱ ተሓቢሩ።

ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ማሕበር ለገስቲ ደም ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ መምህር ቺነ ወርቀ፡ ቅሩብነት ተመሃሮ ኣብ ልግሲ ደም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ከምዝመጽአን፡ ኣብ ኩለን’ተን ደም ዝተለገሰለን ኣብያተ- ትምህርቲ ዝነኣድ ምትሕብባር ከምዝነበረን ገሊጹ።

መምህር ቺነ፡ ኣፍልጦ ኣብ ልግሲ ደም ምብራኽ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ብሰንኪ ስእነት ደም እትሓልፍ ህይወት ንኸይትህሉ ኩሉ ዝምልከቶ አእጃሙ ከልዕል ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ሕርሻዊ ንጥፈታት ዘተባብዕ ውጽኢት ይህብ

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ልምዓት ጀራዲንን ንምስፋሕ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 267 ሄክታር ኣእካል፡ 99 ሄክታር ድማ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምዝለምዐ፡ መግቢ እንስሳ ንምውሓስ’ውን ኣብ 30 ሄክታር ዝምስገን ምህርቲ ከም ዝተሓፍሰ ኣብ’ቶም ጸብጻባት ተነጺሩ።

ምህርቲ ሃብቲ ዓሳ ንምድንፋዕ፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ንዝነጥፋ 37 ሓደስቲ ሰብ ጀላቡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዝተዋህበ፡ መደባት ምግራብ ንምድንፋዕ ብዝተወስደ ተበግሶታት፡ ብተመሃሮን ህዝብን ኣስታት 12 ሽሕ ኣግራብ ከም እተተኽለ እውን በሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ብሓፈሻ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ዝተሰላሰለ መደባትን ገስጋሱን፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪን ትሑት ተሳታፍነት ተመሃሮን፡ ከምኡ’ውን ጽላት ቱሪዝም ንምድንፋዕ ዝተኻየደ መጽናዕትን ውጽኢቱን ብዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡን ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ክትግበር ዝተወጠነ መደባት ሳላ ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ ውጽኢታዊ ምንባሩ ብምሕባር፡ ተጠርዩ ዘሎ ናይ ስራሕ ባህሊ ንምዕቃብን ኣብነታዊ ኣመራርሓን ስራሕን ንምትብባዕን ብዝለዓለ ከምዝስራሕ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዝኣረጋ ኣብያተ- ትምህርቲ ቅልጡፍ ጽገና ክግበረለን፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምዕባይ ብውህደት ክስራሓሉ፡ ጸገም መጓዓዝያ ድማ ዘላቒ ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዮም።

Categories