ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ማእከል፡ ኩነታት ደቂ- ኣንስትዮ’ቲ ዞባ ንምምዕባልን ምዕሩይ ዕድላት ንምርግጋጽን ዝተሰላሰሉ መደባትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ብምግምጋም፡ ናይ መጻኢ መደባት ንምውርጻጽ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ፡ ብ7ን 8ን ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ ሰረት ሕብረተሰብን ሃገርን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንምዕባለአን ንዝዕንቅጹ ተርእዮታት ብምውጋድ ሓፈሻዊ ዕብየተንን ምዕባለአንን ንምርግጋጽ፡ ውሁድ ጻዕሪ ክካየድ ጸዊዑ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ማእከል ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሴ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ማሕበራውን ቊጠባውን ጽላታት ዝተሰላሰለ ዕማም ብመንጽር ምዕባለታትን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ምርኣዩ፡ ኣብ መጻኢ ምዕሩይ ዕድላትን ዕብየትን ዘምጽኡ ሜላታት ብምንዳይ ንደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምሕያል ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብቐሊል ከምዘይጥመት ገሊጹ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ቊጠባዊ ሓርነት ደቂ- ኣንስትዮ ንምርግጋጽን ኣፍልጦ ስድራ- ቤታት ኣብ መሰል ደቂ-ኣንስትዮን ሕጊን ንምዕባይን ዝተኻየዱ መደባትን ገስጋሶምን ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪባ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ክካየድ ብዝቐነየ ዓውድታት ዘተ፡ ህልው ብድሆታት ደቂ-ኣንስትዮ ብዕምቈት ንምድህሳስ ከምእተኻእለ ጠቒሳ፡ መልስን ፍታሕን ዝጽበዩ ብድሆታት ስለዘለው፡ ውሁድ ጻዕሪ ምክያድ ከምዘድሊ ኣስሚራትሉ።

Categories