ኣብ ንኡስ ዞባ ጎኜ፡ ንቕሓት ተመሃሮ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ብሓፈሻ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ክብ ንምባል፡ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

እቲ ኣብ ሕማማት ዓሶ፡ ቲቢን ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስን ኣገባብ ምትሕልላፎምን ምክልኻሎምን ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ተመሃሮ ጥዕናኦም ተሓልዩ፡ ጥዕና ሕበረተ-ሰቦም ኣብ ምውሓስ ተራኦም ንኽጻወቱ ዝዓለመ ምዃኑ፡ ወደብቱ ገሊጾም።

ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽላእ ዓንቀርን ዝኣመሰሉ ጐዳእቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድ እውን፡ ተመሃሮ ዝዓበየ ተራ ክጻወቱ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርትን ዝወደብዎ – ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝተሰነየ ኣንጻር ጐዳእቲ ልምድታት ዝቐንዐ ናይ ጐስጓስ መደብ ከምእተኻየደ እውን ተፈሊጡ።

Categories