ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራን ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ኦዲት ቻይናን፡ ብ5 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ – ተመኲሮ ናይ ምልውዋጥ ሰሚናር ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ብሕታውያን ናይ ኦዲት ትካላትን ዝተወከሉ ሞያውያን እውን ዝተሳተፍዎ ሰሚናር፡ ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ገብረመድህን፡ ንጥፈታት ናይ’ቲ ቤት-ጽሕፈትን ቀንዲ ብድሆታቱን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ተመኲሮኦም ከካፍሉ ንዝመጹ ቻይናውያን ሞያውያን ኣመስጊኑ።

ነቲ ቻይናዊ ጉጅለ መሪሑ ዝመጸ ሚስተር ልዩ ጂያንወይ ድማ፡ ንኣሰራርሓ፡ ስልጣንን ዕማማትን ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ኦዲት ቻይና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኮሌጃት ንዝወሃብ ምስ’ቲ ንጥፈታት ዝተኣሳሰር ትምህርቲ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ሓለፍቲ ኣካላት ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራን ካልኦት ክኢላታትን ብወገኖም፡ በቲ ቤት-ጽሕፈት ክሰላሰል ብዛዕባ ዝጸንሐ ንጥፈታትን ኣብ ስራሕ ዘጋጥሙ ብድሆታትን ብዝርዝር ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ኣገዳስነት ናይ ከም’ዚ ዓይነት ሰሚናር ኣብ ምሕያል ብቕዓት ብምጥቃስ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺሮም።

Categories