ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ተሳታፍነት ተመሃሮን ብቕዓት ትምህርቲን ዝዘተየ ርክብ፡ ብ4 ታሓሳስ ኣብ ከተማ ባጽዕ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ዞባ መምህር ረሺድ መሓመድ- ዑስማን፡ ተመሃሮ ኣብ ርእሲ’ቲ ውልቃዊ ጻዕሮም፡ ዕቱብ ምክታትልን ሓገዝን ናይ መማህራን ከይፍለዮም ኣዘኻኺሩ።

ንውጽኢት ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ 2016/2017 ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ገምጋም፡ ብደረጃ ዞባ ካብ ዝተፈተኑ 1472 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 3562 ተመሃሮ – 49 ሚእታዊት ጥራይ ከምሓለፉ፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጽር እንከሎ ድማ ብ15 ሚእታዊት ከምዝነከየ በሪሁ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳርክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ ምዕሩይነት ትምህርቲን ኣድማዕነቱን ንምርግጋጽ፡ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ኣመሃህራ ከምዝህሉ ምግባር ካብ’ቲ ክስራሓሉ ዘለዎ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ብቐዳምነት እተን ርኡይ ድኽመታት ዘለወን ኣብያተ-ትምህርቲ ክልለያን ንምሕያለን ክስራሕን ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ጠንቂ ምንቊልቋል ተሳትፎ ብዕቱብ ክልለን ፍታሕ ክናደየሉን፡ ምሕደራ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ብግቡእ ክግምገም፡ ምምዳብ ብቕዓትን ተመኲሮን ዘለዎም መማህራን ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ተመኲሮ ብሕታውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ክግምግም ዝብሉ ለበዋታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም።

Categories