ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ብመደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ መሃይምነት ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ነቲ መደብ ንምግምጋም ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ተገሊጹ።

ሓላፊ ምክትታል መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ዘርኣብሩኽ ይርጋኣለም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ 2001 ክሳብ 2017 ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ካብ ዝተሳተፉ ኣስታት 39 ሽሕ ዜጋታት፡ እቶም ኣስታት 32 ሽሕ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ከምዝበጽሑ ገሊጹ።

ሎሚ ዓመት፡ 477 ተመሃሮ ኣብ 12 ነቚጣታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ትምህርቶም ከም ዝዛዘሙ ዝሓበረ መምህር ዘርኣብሩኽ፡ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ንምዕዋትን ደግሲ መሃይምነት ንምክልኻልን፡ ምትሕግጋዝ ምምሕዳርን ሃገራውያን ማሕበራትን ክዓዝዝ ተላብዩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ መምህር በላይ ኑርሕሼን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ብውህደት ኩለን ኣካላት መንግስቲ መሃይምነት ንምጥፋእ ዝተኻየደ ጻዕርን ውጽኢቱን ዝምስገን ምዃኑ ኣረዲኡ። ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ንምዕቃብ ዝሕግዙ ንጥፈታት ብዝለዓለ ክድፋኣሎም ድማ ኣዛኻኺሩ።

ካብ ጠቕላላ ተቐማጦ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ እቶም 38.5 ሚእታዊት ብመደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ መሃይምነት ከምዘጥፍኡ ሰነዳት የረድኡ።

Categories