ሃድን ሓራምዝ ብምግታእ ኣብ ልዕሊኦም ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ምጽናት ንምቕንጣጥ፡ ኣብ ምክትታልን ምምሕልላፍን እዋናውን ጽጹይን ሓበሬታ ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ብ29ን 30ን ሕዳር ኣብ ከተማ ባረንቱ ተዋሂቡ።

እቲ ኣብ ክሊ ሓራምዝ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝነጥፉ ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻን ሓለፍቲ ቊጠባዊ ልምዓትን ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ መረዳእታ ናይቶም ኣባላት ብምዕባይ – ብፍላይ ኣብ ምትሕልላፍ እዋናዊ ሓበሬታ ኩነታት ሓራምዝ ክኽተልዎ ዝግብኦም መምርሒታት ብምስናቕ፡ ኣብ መጽናዕቲ ኩነታት ሓራምዝ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ምዃኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዳይረክተር ባህርያዊ ሃብቲ ኣቶ ያቆብ ዮውሃንስ ሓቢሩ።

ኤርትራ ካብ 1995 ጀሚራ ኣባል ናይ’ቲ 182 ሃገራት ዝሓቚፍ፡ ኣብ ምቊጽጻር ዘይሕጋዊ ንግዲን ሓደጋ ምጽናት ዘንጸላልዎም ዘለዉ እንስሳታት ዘገዳምን ኣግራብ መሮርን ዝነጥፍ ‘ኣህጉራዊ ውዕል’ ከምዝኾነት ዝጠቐሰ ኣቶ ያቆብ፡ ካብ 2001 ንደሓር ብዛዕባ’ቶም ኣብ ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ-ጋሽ፡ ሃይኮታን ጎኜን ዝርከቡ ሓራምዝ ናብ ማሕበር ምቊጽጻር ዘይሕጋዊ ሃድን ሓራምዝ ኣብ ኣፍሪቃ ሓበሬታ ከተመሓላልፍ ምጽናሓ ሓቢሩ። እቲ ብዓይነቱ ፈላሚ ዝኾነ ኣስተምህሮ፡ ንዝነበሩ ድኽመታት ምትሕልላፍ ሓበሬታ ብምውጋድ፡ ንዝበለጸ ስራሕ ባይታ ዘንጽፍ ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኡ።

ካብ ማሕበር ምቊጽጻር ዘይሕጋዊ ሃድን ሓራምዝ – ሚስተር ታፔራ ቺሞቲ ብወገኑ፡ እቲ ኣስተምህሮ፡ ቀንዲ ጠንቂ ምንቊልቋል ቊጽሪ ሓራምዝ ኣብ ኣፍሪቃ ብደቂቕ ንምጽናዕ፡ ብኣባል ሃገራት ንዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ዘደንፍዕ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሞት ሓራምዝ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ሰልጠንቲ ዝተማልአን እዋናውን ሓበሬታ ብጽፉፍ ኣገባብ ክስንዱን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከመሓላልፉን ኣዘኻኺሩ።

Categories