ነበርቲ ከተማ ድባርዋ፡ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝዘርኦ ኣስታት 500 ሄክታር ስገምን ስርናይን፡ ናይ ዓጺድ ወፈራ የካይዱ ኣለዉ።

ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ዘሎ ክኢላ ልምዓት ዘራእቲ ናይ’ቲ ኮርፖረሽን – መንእሰይ መድሃኔ ገብረመስቀል፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ምህርቲ ጸባን ውጽኢቱን ንምዕባይ ዝተበጋገሰ መደብ፡ 460 ሄክታር ስገምን ስርናይን፡ 40 ሄክታር ድማ ኣልፋ-ኣልፋ ከምእተዘርአን፡ ድሮ እቲ ናይ ዓጺድ ዕማም 85 ሚእታዊት ከምእተዛዘመን ገሊጹ።

ሓላፊ ምክትታል ልምዓት ዓድታት ንኡስ ዞባ ድባርዋ – ኣቶ ግርማይ ተኽላይ፡ እቲ ኮርፖረሽን ምስ ህዝቢ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ ብምፍጣር ውጽኢታዊ ስራሕ ይትግብር ከምዘሎ ብምምልካት፡ መዓልታዊ ልዕሊ 650 ነበርቲ ኣብቲ ወፈራ ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

Categories