ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል – ኦሮታ ንዝርከብ ኣገልግሎት ሕክምና እዝኒ፡ ኣፍንጫን ጐረሮን ንምስፋሕ ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራን ‘ሜድ-ኬር’ ዝተባህለ ጀርመናዊ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበርን፡ ብኣስታት 1.5 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ናይ’ቲ ሆስፒታል ዝተሰርሐ ሓድሽ ህንጻ ምስ መሳለጥያታቱ፡ ንስራሕ ድሉው ኰይኑ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራትን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ዝተረኽቡሉ ብ5 ታሕሳስ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ መደብ መርኣያ ናይ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽላት ጥዕና ዝገብሮ ዘሎ ልዑል ቈላሕታን ንምትሕግጋዝ መሻርኽቲ ዝህቦ ዓቢ ግምትን ምዃኑ ኣረዲኣ።

መዲካል ዳይረክተር ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል – ኦሮታ ዶክተር ሃብተኣብ መሓሪ ብወገኑ፡ ኣገልግሎት ሕክምና እዝኒ፡ ኣፍንጫን ጐረሮን ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ 1984 – ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ከምዝጀመረ፡ ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ብዝገበረሉ ጠመተ ድማ፡ ዝበቅዕ ኣገልግሎት ናብ ዝህበሉ ደረጃ ከምዝዓበየ ሓቢሩ።

መስራቲን ሓላፊን ናይቲ ኣብ ምስራሕ’ቲ ህንጻ ኣበርክቶ ዝገበረ “ሜድ- ኬር” ዝተባህለ ጀርመናዊ ማሕበር – ፕሮፌሰር ኤቤርሃርድ ሽቴነር፡ ሕክምና እዝኒ፡ ጐረሮን ኣፍንጫን ሓደ ካብ ኣገደስቲ ዓውዲታት ሕክምና ምዃኑ ብምሕባር፡ መደባቶም ኣብ ዓወት በጺሑ ምርኣዮም ዕግበት ከምዝፈጠረሉ ገሊጹ።

ሓድሽ ህንጻ ኣገልግሎት ሕክምና እዝኒ፡ ኣፍንጫን ጐረሮን፡ መደቀሲ ሕሙማት፡ ናይ መብጣሕትን ድሕረ-መብጣሕትን ክፍልታት፡ ዘበናዊ መመርመሪ ክፍሊን ካልእ መሳለጥያታትን ዓጢቑ ኣሎ።

Categories