ምዕሩይነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ጽላታት ብምሕያል – ዕብየተን ንምርጋግጽ፡ ውህደት ኩሎም ኣካላት መንግስትን ማሕበራትን ክዓቢ ከምዝግባእ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ኣገንዚባ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተቓንዐ፡ ኣብ ምዕባለን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ወይዘሮ ተኽኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት፡ ቊጠባዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሱታፌን ተራን ደቂ-ኣንስትዮ ንምዕዛዝ ሓያል ጻዕርታት ክካየድ ምጽንሑን ኣተባባዒ ውጽኢት ተመዝጊቡ ምህላዉን ጠቒሳ፡ ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ገና ቃልሲ ዘድልዮም ንጥዕና ደቂ-ኣንስትዮ ዝሃስዩን ንዕብየተን ዝዕንቅጹን ልምድታት ይቕጽሉ ስለዘለዉ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ልዑል ኣቓልቦ ሂቦም ክሰርሑሉ ተማሕጺና።

ሓላፊት ጨንፈር ሃማደኤ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ክሽቦ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ትሑት ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርትን ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም፡ ነዞም ሃሰይቲ ልምድታት ንምጥፋእ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ምብራኽ ኣተባባዒ ውጽኢት ክምዝገብ ከምእተኻእለ፡ እንተኾነ – ኣብ ባይታ ገና ሓያል ጻዕሪ ይሓትት ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ መዳያት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ ሽቕለትን ዕዮን፡ ንግድ፡ ውህለላን ልቓሕን ዝነበረን ተሳትፎን ዘርኣይኦ ገስጋስን ብዝምልከት መጽናዕታዊ ጸብጻባት ቀሪቦምን ዘተ ተኻዪዱሎምን።

Categories