ኮርፖረሽን ቴለኮሚኒከሽን ኤርትራ – ኤሪቴል፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ሰንዓፈን ክህቦ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ንምምዕባል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ናይ’ቲ ትካል ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣቶ ተስፋይ ገብረመድህን፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት ካብ 2010 ጀሚሩ፡ መስመር ተንቀሳቓሲ ቴለፎንን መስመር ስልኪ-ኣልቦ ቴለፎንን ከውጽኡ ንዝደልዩ ተቐማጦ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕ፡ ሰንዓፈ፡ ጸሮናን ክፋል ንኡስ ዞባ ሰገነይትን ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ መንደፈራ ንምኻድ ዝነበረ ኰለል ከምዘወገዶ ገሊጹ።

ኣብ 2002 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ዝተተኽላ 15 ናይ ጐደና ቴለፎናት እውን፡ ንተመሃሮ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ንተቐማጦ ዓዲ-ቐይሕ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ዝሓበረ ኣቶ ተስፋይ፡ ዕድመ ንኽህልወን ተገልገልቲ ግቡእ ኣጠቓቕማ ከዘውትሩን ክከናኸንወንን ተላብዩ።

ቐይሕ 2080፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ድማ 1097 ዓማዊል ስልኪ ኣልቦ ቴለፎን (CDM) ከምዘለዉ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዝርከባ ሓሙሽተ ትካላት ኢንተርነት ድማ ጽቡቕ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከባ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

Categories