ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን – 3 ታሕሳስ፡ “ንርእሰ ምኽኣል ስንኩላን፡ ብኮማዊ ደገፍ ነሐይል” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር ብ2 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ኣዳራሽ ኮማዊ ማእከል ኣኽርያ ብድምቀት ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ስንክልና – ንዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝተፈላለዩ ጠንቅታት ከጋጥም ዝኽእል ተርእዮ ምዃኑ ጠቒሳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንስንኩላን ምዕሩይ ባይታን ዕድላትን ንምጥጣሕ ኣብ ዘካይዶ ጻዕርታት፡ ተሳትፎ መላእ ሕብረተ-ሰብ ከም ዓንዲ ማእከሉ ብምግባር ይሰርሕ ከምዘሎን ዘተባብዕ ውጽኢት ይህብ ምህላዉን ገሊጻ።

ጉዳይ ስንኩላን፡ ጉዳይ ህዝቢ ምዃኑ ምስ እንግንዘብ፡ ኣብ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተመርኰሰ ኣድማዕን ነባሪን ውጽኢት ክርከብ ዘሎ ተኽእሎ ርሒብ ምዃኑ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ልኡል፡ ምስ ግዜ ዝያዳ ክሕይልን ኣድማዒ መደባት ክትግበርን ምእንቲ፡ ውህደት ኩሎም ኣካላትን ሕብረተሰብን ክዓዝዝ ኣዘኻኺራ።

ንኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ዶክተር ፔረ ንጎም ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ስንኩላን ኣፍረይቲ ዜጋታት ኮይኖም ርእሶም ንክኽእሉ ንዝገብሮ ጻዕርታት ብምምጓስ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጐድኑ ደው ከምዝብል ሓቢሩ።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ ተመሃሮ ኣብያተ- ትምህርቲ ጽሙማን፡ ዓይነ-ስዉራንን ውሁድ ትምህርትን ብዘቕረብዎ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ማዕሪጉ ነይሩ።

Categories