ብኣስታት 17 ሚልዮን ናቕፋ ሓደስቲ ክፍልታት ዝተወሰኸላን መሰረታዊ ጽገና ዝተገብረላን ኮማዊ ሆስፒታል ዕዳጋ- ሓሙስ – ኣስመራ፡ ምሉእ ኣገልግሎት ንምሃብ ድሉውቲ ኰይና።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብ2 ታሕሳስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ መሪቑ ከፊትዋ።

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ስራሕ፡ ንኣገልግሎት ሕርሲ ዘገልግል 30 ዓራውቲ ዝሓዘን ናይ መብጣሕቲ ክፍሊ ዘጠቓለለን ክፍልታት ተሃኒጹ ኣገልግሎት ክህብ ምጽንሑ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ዶክተር ተስፋይ ሰለሙን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ካልኣይ ገጽ ድማ፡ ንመመርመሪ ሕሙማት፡ ላቦራቶሪ፡ ኤክስረይ፡ ፋርማሲ፡ መጸበዪ ሕሙማት፡ ኣብያተ-ጽሕፈትን ካልእ መዓላን ዝውዕል 23 ክፍልታት ዝሓዘ ኣረጊት ህንጻ ተጸጊኑ፡ እኹል ዓቕሚ-ሰብን ናውትን ተማሊኡሉ ስርሑ ጀሚሩ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ኣብ’ተን ካልኦት ሆስፒታላት ዝጸንሐ ጻዕቂ ስራሕ ኣብ ምቅላል ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ፡ ዶክተር ተስፋይ ኣረዲኡ።

ኣብ 1870 ትርብዒት ሜትሮ ዝተደኰነት በዓልቲ ሓደ ደርቢ ኮማዊ ሆስፒታል ዕዳጋ-ሓሙስ፡ መስርሕ ምጽጋና ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግዳ ምሉእ ትሕተ-ቅርጻዊ ስርሓት ተማሊኡላ ከምዘሎ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ኢንጂነር ተስፋኣለም ወልደሚካኤል ገሊጹ።

Categories