ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና፡ ንተመሃሮ ከምኡ’ውን ንወነንትን ሰራሕተኛታትን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጠንቅታት፡ ሳዕቤናትን ኣገባባት ምክልኻልን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ።

ኣብ ኣስመራ – ቤት-ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ኢሳቕ ተወልደመድህን ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ንድሕረ-ባይታ ሕማማት ኤች.ኣይ.ቪን ዓባይ ሰዓልን ዘስዕቦ ማሕበረ- ቊጠባዊ ጸገማትን፡ ከምኡ’ውን ኣገባባት ምክልኻሉ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንተመሃሮ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ድማ፡ ብዝተኻየደ ጻዕሪ ሓያሎ ሕማማት ኣብ ትሕቲ ምቊጽጻር ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ ሕማም ዓሶ ከኣ ብፍላይ ኣብ 2016 ብ25 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓሰብ፡ ን120 ደቂ-ኣንስትዮ ተመሃሮ ኣብ ጥዕና ቈርበትን ጽልዋታት ሜክ-ኣፕን ኣተኲሩ ኣብ ዝተኻየደ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ቈርበትና ብዛዕባ ዘጋጥሙ ጥዕናዊ ጸገማት ንሓኪም ቈርበት ምውካስ ከምዝግባእ ምኽሪ ተዋሂቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ ብሚኒስትሪ ቱሪዝም ዝተወደበ ጥዕናዊ ኣስተምህሮ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝሰርሑ ድማ ብፍላይ ክገብርዎ ኣብ ዝግባእ ጥንቃቐ ዘተ ተኻዪዱ።

Categories