ተማሃሮ፡ ኣካዳሚያውን ሞያውን ብቕዓቶም ብምምዕባል፡ ራኢ ብልጽግቲ ኤርትራ ንምስማር ድርኺት ክፈጥሩ ሃማመተኤ ጨንፈር ዞባ ደቡብ ምስ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ 10 ንኡሳን ዞባታት – ደቡብ ኣብ ዝገበሮ ርክባት ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ጉዕዞ ህንጸት ሃገር፡ ክብርታት ዝወረሰን ሞያን ፍልጠትን ዘማዕበለን መንእሰይ ወሳኒ ምዃኑ ብምምልካት፡ ተመሃሮ ነዞም ረቛሒታት ንምምላእ ክጽዕሩ ተላብዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ብምውህሃድ ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያትን ነበርቲን’ቲ ንኡስ ዞባን፡ ኣብ ምምዕባል ክለብ መንእሰያት ዝውዕል 250 ሽሕ ናቕፋ ወጻኢ ዝተገብረሉ ንዋት ተበርኪቱ።

ብኻልእ ወገን፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ባጽዕ መንእሰይ ዓሊ ፈረጅ፡ መንእሰያት ብእወታዊ ኣተሓሳስባ ተዀስኲሶም ንኽዓብዩን ኣፍረይቲ ዜጋታት ክኾኑን ውሁድ ጻዕሪ ወሳኒ ምዃኑ፡ ምስ ነበርት’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ሃማመተኤ መደባቱ ከስፍሕ፡ ማእከላት መንእሰያት ክህነጻን ንመንእሰያት ዝበቅዕ መሳርሒታት ክዋደደለንን፡ ንቕሓት መንእሰያት ዘበርኹ ኣስተምህሮታት ክድፋኣሎም ዝብሉን ካልኦትን ርእቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ከተማ ከረን ብ28 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ድማ፡ መንእሰያት ኩሉ- መዳያዊ ዓቕምታቶም ብምሕያል፡ በብዓውዱን ዝንባለታቶምን ተወዲቦም ኣብ መደባት መኸተን ልምዓትን ኣበርክቶኦም ዘዕዝዙሉ ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ዘተ ተኻዪዱ።

ጸሓፊት ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ኣመተ ንጉሰ፡ መንእሰያት፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገርን መኸተ ልኡላውነትን ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ ዝሕዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነባሪ ምዕባለ ንምርግጋጽ፡ ዓቕሚ መንእሰያት ምዂስኳስ መድረኻዊ ተልእኾ ምዃኑ ገሊጻ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰሩ ሰሚናራት ክድፋኣሎም፡ ስልጠናታትን ኣብኡ ዝሳተፉ መንእሰያትን መዐቀኒታት ክህልዎም፡ መድረኻት ምልውዋጥ ተመኲሮ ብዝለዓለ ክስራሓሎም ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ጉዳይ መንእሰያት ንሓደ ኣካል ጥራይ ዝምልከት ከምዘይኰነ ብምግንዛብ፡ ውህደት ኩለን ኣካላት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ለበዳ ኤች.ኣይ.ቪ. ኣብ 80’ታት ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ኣስታት 35 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ሕማማት ኤይድስ ሞይቶም፡ ኣስታት 37 ሚልዮን ምስ’ቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝመርሑ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብ 2016 ጥራይ – 1.8 ሚሊዮን ሓድሽ መልከፍትን ናይ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሞትን ኣጋጢሙ። እዚ ኣሃዛት ኣዝዩ ዘፍርሕ ደኣ ይምሰል እምበር፡ ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ግን ብዙሓት ተስፋ ዝህቡ ኣንፈታት ተራእዮም እዮም። ኣብ ምሉእ ዓለም ሞት ብሰንኪ ኤይድስ ብ50% ነክዩ፡ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣዝዩ ጎዲሉ፡ ተጠቀምቲ ጸረ-ኤችኣይቪ መድሃኒት (መናውሒ መድሃኒት) ዳርጋ 19.5 ሚልዮን ምስ ምብጽሖም ነቲ ለበዳ ኣብ ምግታእ ልዑል ዝኾነ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምትሕልላፍ ኤችኣይቪ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ጐዲሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ገለ ሃገራት’ውን ዳርጋ ናብ ምጥፋኡ ገጸን ከምዝኸዳ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ 2014 ሓባራዊ ፕሮግራም ኤይድስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ለበዳ ኤይድስ ኣብ 2030 ንኸብቅዕ “90-90-90” ዝብል ዘተኣታተዎ መደብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብጽቡቕ ይሰላሰል ኣሎ። እዚ “90-90- 90” ዝብል መደብ ትርጉሙ፡ ኣብ 2030፡ 90% ካብቶም ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ዜጋታት መርመራ ብምግባር ኩነታቶም ከም ዝፈልጡ ምግባር፡ 90% ኤች.ኣይ.ቪ ከም ዘለዎም ዝተረጋገጹ ዜጋታት ከኣ ጸረ-ኤችኣይቪ መድሃኒት ከምዝጅምሩ ምግባር፡ ከምኡ’ውን ካብቶም መድሃኒት ዝጀመሩ 90% ኣብ ደሞም ዘሎ መጠን ኤችኣይቪ ኣዝዩ ከም ዘንቆልቁልን ኤችኣይቪ ንምትሕልላፍ ዓቕሞም ከም ዝንኪ ምግባርን እዩ። ብዓለም ደረጃ ካብቶም ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ክልተ ሲሶ ኩነታቶም ክፈልጡ ከለዉ፡ 77% ጸረ-ኤችኣይ ቪ መድሃኒት (መናዊሒ መድሃኒት) ጀሚሮም ኣስታት 82% ከኣ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ብቐሊሉ ከም ዘይምሓላለፍ ኮይኑ ብመድሃኒት ተጸቒጡ ኣሎ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምስቲ ብደረጃ ዓለም መዓልታዊ ዘጋጥም ዘሎ ናይ 5 ሽሕ ሰባት ሓድሽ መልከፍቲ ግን ኣብ ልዕሊ ኤችኣይ ቪ ክግበር ዘለዎ ጽዑቕ ስራሕ ዘዛኒ ከምዘይኮነ ዝሕብር’ዩ።

ኣብ ሃገርና መልከፍቲ ኤች ኣይ ቪን ሞት ብሰንኪ ኤይድስ ንምንካይ ብመሪሕነት ሚኒስትሪ ጥዕናን ተሳትፎ ሃገራውያንን ኣህጉራውያን መሻርኽትን ካብ ጽባሕ ናጽነት ዝጀመረ ሃገራዊ ዕማም ኢዩ። ሳላ’ዚ ውሁድ ጻዕሪ ከኣ ኣብ ብዙሕ መዳያት ምቁጽጻር ኤች.ኣይ.ቪ ዘዕግብ ውጽኢት ተመዝጊቡ ኣሎ። ብሚኒስትሪ ጥዓና ዝተኻየዱ መጽናዕትታትን ዝእከቡ ዘለዉ ጸብጻባትን ከም ዝሕብርዎ፡ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ብርኡይ ነክዩ፡ ሳላ ልዑል ዝርግሐን ተጠቃምነት ጸረ- ኤች.ኣይ.ቪ መድሃኒትን ሞት ብሰንኪ ኤይድስ ካብቲ ዝነበሮ ኣንቈልቊሉ፡ ልዕሊ 85% ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ነብሰ-ጾራት ብዝግበረለን ዘሎ መርመራ ኤች.ኣይ.ቪን ነተን ዝተለኽፋ ብዝግበር ዘሎ ሕክምናን፡ ምትሕልላፍ ኤች.ኣይ.ቪ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል’ውን ናብቲ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ይርከብ ኣሎ። ቅድሚ መርዓ ይኹን ኩነታትካ ንምፍላጥ ዝግበር ዘሎ ወለንታዊ መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ መብዛሕትአን ትካላት ጥዕና ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ኩነታቶም ክፈልጡ ክኢሎም ኣለዉ። ብተወሳኺ ብቕዓቱ ዝሓለወ ዝርግሐ ኮንዶም፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓለፉ ሕማማት ስሉጥ ሕክምና ምሃብ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ንምዕባይ ዝተገብረ ጎስጓሳትን፡ ትምህርቲ መዘናን፡ ኣቕርቦት ውሑስ ደምን፡ ካብቶም ቀንዲ ኣብ ምጉዳል ኤች.ኣይ.ቪ ኣበርክቶ ዝገበሩ ንጥፈታት ኢዮም። ብሰንኪ ኤይድስ ንዝዘኽተሙ ህጻናት፡ ምስቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዝነብሩ ወገናትን፡ ንስድራ ዝመርሓ ጽጉማት ደቂ-ኣንስትዮ ክግበር ዝጸንሐ ፋይናንሳውን ብቑጠባ ነብስኻ ምኽኣል ክግበር ዝጸንሐ ደገፍ ህይወቶምን ናብራ ስድራ ቤቶም ኣብ ምምሕያሽ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ከም ዘሎ መልከፍቲ ኤችኣይቪን፡ ሞት ብሰንኪ ኤይድስን ጐዲሉ’ኳ እንተሎ፡ ገና ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮም ብድሆታት ግን ኣለዉ። መልከፍቲ ኤችኣይ ቪ ኣብ ገለ ጉጅለታት ሕብረተሰብና እንተስ ብናይ ስራሕ ጠባይ ወይ ውሑስ ዘይኮነ ጾታዊ ርክብ ብምዝውታር ልዑል ዝኾነ መጠነ መልከፍቲን ብኤይድስ ዝስዕብ ሞትን ብመጠኑ ጐዲሉ’ኳ እንተሃለወ፡ ብሰንኪ ሰብ ከይፈልጠኒን ከይንጽለኒን ዝብል ፍርሒ መድሃኒት ብኣጋ ሰኣን ምጅማር ዘጋጥም ሞትን፡ ትሑት ዕምቈት ኣፍልጦ ኣብ ምትሕልላፍ ኤችኣይቪን ሜላታት ምክልኻሉን፡ መርመራ ደም ጌሮም ኩነታቶም ዘይፈለጡ ብዙሓት ሰባት ብምህላዎም፡ ኤችኣይ ቪ ኣብ ኤርትራ ከም ስግኣት ክንርእዮን ብዙሕ ዝዕመም ስራሕ ተሪፉና ከምዘሎ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ሕጂ’ውን ዓሚቚ ኣፍልጦ ህዝቢ፡ ኣብ ምትሕልላፍን ሜላታት ምክልኻልን ኤችኣይ ቪ፡ ስሩዕ ወለንታዊ መርመራ ኤችኣይ ቪ ጌርካ ኩነታትካ ምፍላጥ፡ ብኤችኣይቪ ንዝተለኽፉ ሰባት ብኣግኡ ጸረ ኤችኣይቪ መድሃኒት ብምጅማርን መድሃኒቶም ብስሩዕ ብምክትታልን፡ ኩለን ነፍሰጾራት መርመራ ኤችኣይ ቪ ምስዝገብራ እቲ ለበዳ ናብቲ ክንበጽሖ እንደሊ ሸቶ፡ ዜሮ ሓድሽ መልከፍቲ፡ ዜሮ ሞት ብሰንኪ ኤይድስን ዜሮ ተነጽሎን ኣድልዎን ክንበጽሖ ከም ንኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብቲ እንደልዮ ክንበጽሕ ድማ ውልቀሰብ፡ ስድራቤት፡ ኮም፡ ብሓፈሽኡ ብሃገርን ዓለምን ብሓባር ሰሚርና ክንሰርሕን፡ እዋናውን ውጽኢታውን ፖሊሲታትን መደባትን ኤችኣይቪኤይድስ ሓንጺጽና ዕቱብ ገምጋም እናገበርና ብምሉእ ሓይልና ንኽንሰርሕ በዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ ኤይድስ ሚኒስትሪ ጥዕና ደጊሙ ይጽውዕ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ኤይድስ ኣብ ዓለም ንመበል 29፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ንመበል 24 ግዚኡ ይዝከር ኣሎ።

Categories