ዒድ መውሊድ ኣ’ነበዊ ኣ’ሸሪፍ፡ ትማሊ 30 ሕዳር ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ።

ኣብ ኣስመራ – መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ረሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምባሳደራትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናንን ተሳቲፎም።

ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ንመላእ ምእመናን “እንቋዕ ናብ’ዚ ክቡር በዓል ኣብጽሓና” ድሕሪ ምባል፡ ንታሪኻዊ ኣተኣታትዋ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ኤርትራን ነቶም ቀዳሞት ‘ሰሓባ’ ብባሕሪ ነጋሲ ዝተገብረ ኣቀባብላን ዝተዋህበ ውሕስነትን ብዝርዝር ኣብሪሆም።

ከምቲ ጥንታዊነት ምእታው ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ኤርትራ፡ ምንብባር ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን’ውን ጥንታዊ’ዩ” ዝበሉ ሼኽ ሳልም፡ ገዛእትን ጸላእትን፡ ነዚ ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ዝተዀስኰሰ ክብርታት ንምብራዝ ዘካየድዎ ውዲታት ብሓያል ንቕሓት፡ ሓድነትን መስዋእትነትን ህዝብና ከምዝፈሸለ ብምሕባር፡ እዚ ዋጋ ዕቃበኡ ካብ ዋጋ ምርግጋጹ ዘይንእስ ሰላምን ርግኣትን ብግቡእ ንኽዕቀብን ንኽወሓስን፡ ብሓድነት ምስራሕ ከምዝግባእ፡ ህዝባዊ ረብሓታትን ዕላማታትን ንምሕላው ድማ፡ መራሕቲ ሃይማኖት መሪሕ ኣባታዊ ተራኦም ክጻወቱ ኣዘኻኺሮም።

ኤርትራ፡ ካብ ጥሩፍነት ነጻ ኰይና፡ ኩሉ ሃይማኖታት ብማዕረ፡ ብሓድነትን ስኒትን ዝነብረላ ሃገር ምዃና፡ ካብ እትሕበነሉ ዘዂርዕ ባህልታታ ከም ዝዀነ ዝገለጹ ሼኽ ሳልም፡ ካብ ደገ ዝተኣታቶ ጥሩፍነት ኣብ ሃገርና ፈጺሙ ቦታን ባይታን ከምዘይብሉ ኣነጺሮም።

ኣቦ-መንበር ጉባኤ ኣውቓፍ ከተማ ኣስመራ ኣቶ መሓመድ-ስዒድ በሺር ብወገኖም፡ ንታሪኻዊ ድሕሪ-ባይታ ናይ’ቲ በዓልን ትርጕሙን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ እቲ ዕለት፡ ዒድ መውሊድ ኣልነቢ በቲ ሓደ፡ ንግደት ሕዳር ጼን ድማ በቲ ኻልእ ይበዓለሉ ምህላዉ ድርብ በዓል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ መሻይኽ፡ ተመሃሮን መምህራንን ብዘቕረብዎ መንፈሳዊ መሰናድኦታት ማዕሪጉ ነይሩ።

Categories