ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ትማሊ 28 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ 2017 ንዝተተግበረ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ገምጊሙ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ እቲ ርክብ – ብቐንዱ፡ ኣብ መስርሕ ናይ’ቲ ወፍሪ ንዝረኣዩ ድኻማት ንምፍዋስን እወታዊ ሸነኻት ንምዂስኳስን ዝዓለመ ምዃኑ፡ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኣከባቢ እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ብተመሃሮ ዝካየድ ጻዕሪ ድርኺት ዝፈጥር ሓባራዊ መረዳእታ ከስርጽ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ዝተሰላሰለ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ዝነበረ ተሳታፍነት ተመሃሮ፡ ቀረብ መሳርሒታት፡ ዘጋጠሙ ብድሆታትን ንምፍትሖም ዝተወስዱ ስጉምትታትን፡ ከምኡ’ውን ንቕሓት ተመሃሮ ክብ ንምባል ንዝተኻየዱ መደባት ዝምልከቱ ጸብጻባት ቀሪቦም።

ብመሰረት’ቶም ጸብጻባት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ፡ መጠን ብኲራት ተመሃሮ 12 ሚእታዊት ምንባሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ብሓፈሻ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ድማ ብፍላይ ሓያል ጻዕርን ቀጻሊ ምክትታልን ዝተኻየደሉ ናይ ምግራብ መደብ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝሃበ ተነጺሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ኣቶ ፍትዊ ወልደጊዮርጊስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ፡ ካብ 86 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣስታት 23 ሽሕ ተመሃሮ ከምእተሳተፉን፡ ኣብ 179 ነቚጣታት ተመዲቦም ኣድማዒ ስራሓት ከምዘካየዱን ኣብሪሁ።

እቲ ስራሓት፡ 95 ሚእታዊት ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዘተኰረ ምንባሩ – በዚ ድማ 495 ሽሕ ፈልስታት ከምእተተኽለ ዘነጸረ ኣቶ ፍትዊ፡ እቲ ዝተረፈ ምጽጋን ናውቲ ኣብያተ-ትምህርቲን ድሕነት ትራፊክን ከምዘጠቓልል ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኣድማዕነት ናይ’ቲ መደብ ቀረብ መሳርሒታት ኣቐዲሙ ክወሓስ፡ ኩለን ኣካላት መንግስትን ህዝብን ኣብ’ቲ ወፍሪ ብናይ ዋንነት መንፈስ ክሰርሑ፡ ዝተመሓየሸ ውጽኢት ዝርከቦ ለውጢ ኣብ ኣሰራርሓ ንምትእትታው ክሕሰበሉ፡ ምትብባዕ ኣብነታውያን ተመሃሮን ኣብያተ-ትምህርትን ክድፋኣሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእቶታት ቀሪቦም።

Categories