ናይ ሓመድ ጽርግያ እንዳገርግስ – ማይምነ፡ ብምውህሃድ ሃገራውያን ኩባንያታትን ህዝባዊ ሰራዊትን ብደገፍ ማሽነሪ ይጽገን ኣሎ።

እዚ ቀንዲ መትኒ መጓዓዝያ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ዝኾነ – 41 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መስመር፡ ንነዊሕ ዓመታት ሓፈሻዊ ጽገና ከይተገብረሉ ብምጽንሑ፡ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ንጥፈታቶም ማሕንቖ ኮይኑ ከምዝጸንሐ እዮም ነበርቲ ገሊጾም።

ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ ኣቶ ተኽለ ተስፋሚካኤል፡ እቲ ዝተወጠነ መደብ ኣብ ግዜኡ ንኽሳለጥ እኹል ዓቕሚ-ሰብን ናውቲ ስራሕን ተዋፊሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ገለ ክፋል ናይ’ቲ መስመር ማይ-ክዖ ዝበዝሖ ኣጻድፍ ስለዘሎ፡ ዓበይትን ማእከሎትን ድንድላት ይህነጸሉ ከምዘሎ ገሊጹ። ጽበት፡ ትሪ ዓቐበትን ኩርባታትን ንዝጸንሖ ክፋል፡ ዝተመሓየሸ ቅየሳ ተገይሩሉ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ወሲኹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ጸገም መጓዓዝያ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማሕበራዊ ሕቶታት ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ኮይኑ ምጽንሑ ብምምልካት፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ፡ ነቲ ጸገም ክፈትሖ ትጽቢቱ ገሊጹ።

ኣብ ሓውሲ ከተማ ማይ-ምነ ዝጸንሐ ጸገም ጸዓት ኤሌክትሪሲቲ ንምፍታሕ እውን፡ ሓዳስ ጀነሬተር ተተኺላ ናይ ሸሞንተ ሰዓታት ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ዝሓበረ ኣቶ ፍረወንጌል፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ዓድታት ተጠቀምቲ ንምግባረን መደብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ፡ ብምውህሃድ ህዝብን ምምሕዳርን፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐ ዕዳጋ ጥሪት ብመንደቕ ቀጽሪ ከምእተሰርሓሉ፡ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን ቤተ-ፈተነ ንቤት ትምህርቲን እውን ተሃኒጹ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

Categories