ኣብ ከተማ ከረን፡ 56 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 132 መንእሰያት፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ሞያ ሰልጢኖም።

እቶም ንሰለስተ ኣዋርሕ ብደረቕን ተንቀሳቓስን ስእሊ፡ ጽገና ኮምፕዩተር፡ ቪድዮ ኤዲቲን፡ ምትካል ሶላር፡ ስነ- ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲን ካልእን ዝሰልጠኑ መንእሰያት፡ ትምህርቶም ዛዚሞም ብ24 ሕዳር ተመሪቖም።

እቲ ስልጠና፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዓቕምታት መንእሰያት ንምጒልባት በብእዋኑ ክሰላሰል ዝጸንሐ መደባት ምዃኑ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸት ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን እውን ብተመሳሳሊ ሞያ ዝስልጠና 42 ደቂ- ኣንስትዮ ብ23 ሕዳር ተመሪቐን።

Categories