ኣብ ኣቑርደት ዝርከብን መሰረታዊ መሳርሒታት ዝተዋደደሉን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት መንእሰያት፡ ኣብ ምህናጽ ዓቕሚታቶም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ መንእሰያት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ገሊጾም።

እቶም መንእሰያት፡ ወርሓዊ 600 ናቕፋ እናተኸፍሉ ዝቐስምዎ ስልጠና፡ መጻኢኦም ኣብ ዘጣጥሕ ዓቢ ረብሓ ይረኽቡሉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ኣገልግሎት ዝጀመረ ማእከል፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ን193 መንእሰያት ብኤለክትሪሲቲ፡ ኤሌትሮኒክስ፡ ኮምፕዩተር፡ ናይ መስኖ ሕርሻ፡ ብማእለማን ስርሓት ካይላን የሰልጥን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሓላፊ’ቲ ማእከል መምህር ዑስማን ዓብዱ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስልጠና ካብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ተኣልዮም ኣብ ምንባይ ስድራ ንዝተዋፈሩ መንእሰያት ከምዝወሃብ ብምሕባር፡ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ጸገም ንምፍታሕ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቈላሕታ ክገብረሉ ኣዘኻኺሩ።

መማህራን ብወገኖም፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ብምምዕባል ኣብ መነባብሮኦም ዕብየት ከምጽኡ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

Categories