ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይን ጎልጅን ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ኣብ ከታይ – ከባቢ ኦምሓጀር ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ፡ መሸላ ናይ ምጉናእ ወፈራታት ኣካዪዶም።

ሓላፊ’ቲ ሕርሻ መንእሰይ ኣሕመዲን ኣልኣሚን፡ ሎሚ ዓመት ኣስታት 3,200 ሄክታር መሸላ፡ ብልቱግን ስምስምን ከምእተዘርአ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝወቕዐ ደሓን ዝኾነ መጠን ዝናብ ድማ ተመጣጣኒ እቶት ክሓፍሱ ትጽቢት ከምዘለዎም ሓቢሩ። ወፋሮ ብዘርእይዎ ዘለዉ ስሉጥነት ኣብ ሓጺር ግዜ ክኣቱ ከምዝኽእል ድማ እምነት ገሊጹ።

እቶም ነበርቲ፡ ዘራእቲ ሕርሻ ከታይ ንምእካብ ብዓቢ ሞራል ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ኣብ ስራሕ ዝረአ ዘሎ ስልጡነት ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ምድላዋት ምዃኑ ሓቢሮም።

Categories