ኣብ ሓድሽ ዓዲ-ሓደግቲ – ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብ20 ሕዳር ተመሪቑ ኣገልግሎት ጀሚሩ።

ኣብ ክፍሊ ሃብቲ ማይ ሓላፊ ኦፐረሽንን ጽገናን ኣቶ ርእሶም ተኽለማርያም፡ እቲ ፕሮጀክት፡ ምዂዓት ዒላ፡ ምትካል ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ካብ ዒላ ናብ ባስካ እትጭንጒዕ ፖምፓ፡ ምዝርጋሕ 870 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሻምብቆታት ማይ፡ 50 ሽሕ ሊትሮ ዝሕዝ ባስካን ሓንቲ መዐደሊት ነቚጣን ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ማይ ዞባ ደቡብ ኣቶ ክብሮም ምስግና ድማ፡ እቲ ፕሮጀክት ብዓወት ንኽዛዘም ተቐማጦ ሓድሽ ዓዲ-ሓደግቲ ንዘርኣይዎ ጻዕሪ ድሕሪ ምንኣድ፡ ተዋዲዱ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ንነዊሕ እዋን ንኸገልግል፡ ጽፉፍ ምሕደራ ክተኣታቶን ክከናኸንዎን ተላብዩ።

ሓድሽ ዓዲ-ሓደግቲ፡ ካብ ሰገነይቲ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 8.5 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ 315 ስድራ ቤታት ይቕመጣኣ።

Categories