ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ብዘለዋ 370 ኣውቶቡሳት – ን75 ሚእታዊት ካብ ዓድታት ሃገርና ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ደረጃ ከምእተበጽሐን፡ ሓላፊ’ቲ ኩባንያ ብሪጋደር ጀነራል ብርሃነ ጸሃየ ገሊጹ።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ሓደ ካብ’ቶም መንግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ገዚፍ ወፍሪ ዝገብረሎም ዘሎ ጽላታት ምዃኑ ዝጠቐሰ ብሪጋደር ጀነራል ብርሃነ፡ ኩባንያ ሓራት፡ ኣብ ዞባ ማእከል 51፡ ደቡብ 56፡ ዓንሰባ 11፡ ጋሽ-ባርካ 15፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ 12፡ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ 2፡ ብጠቕላላ 147 መስመራት ብምኽፋት ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ካብ ኣስመራ ጥራይ ዝብገስ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ 6 ዞባታት ሃገርና ብዝዝርጋሕ 19 መዋፈሪ መደበራትን 14 ንኡሳን መደበራትን – መዓልታዊ ንኣስታት 18 ሽሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ከምዝህብ፡ ብሃገር ደረጃ ተሪፈን ንዘለዋ ዓድታት ንምብጻሕ ድማ ብካርታ ተሳኢሉ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ህዝቢ ጀሚርዎ ንዘሎ ምጽራግ ጽርግያታት ክደፍኣሉ ኣዘኻኺሩ።

ንክፍሊት ብዝምልከት፡ እቲ ብሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ብዝወጸ ኣዋጅ መሰረት ዝተሰልዐ ዋጋታት ኩሉ – ርትዓዊ ምዃኑ ብምሕባር፡ ተገልገልቲ ነተን ኣውቶቡሳት ብጽፈትን ጽሬትን ክሕዙወን ተላብዩ።

“ቲኬታት ሓራት ኢድ እናበዝሖ፡ ብተዓጻጻፊ ዋጋ ይሽየጥ ኣሎ” ንዝብል ቅሬታ ህዝቢ – ብሪጋደር ጀነራል ብርሃነ፡ ከምተርእዮ ከምዝነበረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ብዝካየድ ዘሎ ጥቡቕ ምቊጽጻርን ምክትታልን ከምእተገትአ ገሊጹ።

Categories