ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ባጽዕን ወከልቲ ነበርቲ’ታ ከተማን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምድንፋዕ ክካየድ ኣብ ዘለዎ ንጥፈታት ዘትዮም።

ኣብ ምግራብ፡ ጽሬት ከተማን ኣገልግሎት መጓዓዝያን – ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ምህናጽ ዘይሕጋዊ ኣባይትን ሳዕቤናቱን፡ ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ርክብ ብዕምቈት ዝተዘተየሎም ጉዳያት ምዃኖም፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሴ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝተኻየደ ንጥፈታት ምግራብ ደሓን ውጽኢት ከምዝሃበ፡ ነዚ ዝሰርጽ ዘሎ ናይ ምግራብ ባህሊ ንምዕቃብን ንምሕያልን ድማ – ምምሕዳር ከተማ ተበግሶታት ይወስድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ገረብ ሾራ ንምትካልን ኣብ ግዜ ክራማት ብማይ ንዘዕለቕልቑ ጐደናታት ንምፍዋስን መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ምህናጽ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ብዝምልከት ኣቶ ኪዳነ፡ ሳዕቤናቱ ከቢድ ምዃኑን፡ ነበርቲ፡ ክወርድ ካብ ዝኽእል ክሳራታት ክጥንቀቑን ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ጽሬት ከተማ ባጽዕ ንምውሓስ ተወሰኽቲ ኣጋንእ ጐሓፍ ክዳሎ፡ ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪ ምክትታል ክግበረሉ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ ጸገማት ፍታሕ ክናደየሉ፡ ኣግራብ ሓለዋ ክግበረሎም ተላብዮም።

Categories