ኣብ ዞባ ማእከል፡ ንግብሪ ጥሪትን ሕርሻን ብዝምልከት ብ15 ሕዳር ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ዝምልከቶም ሰብ-መዚ ሚኒስተሪ ፋይናንስ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምስሳን ጥሪትን ሕርሻዊ ልምዓትን ዝነጥፉ ሓረስቶት ኣብ ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣብ ምእካብ ግብሪ ዝነጥፋ ሽማግለታት ብህዝቢ ክምረጻ ምዃነን ተሓቢሩ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ ግብሪ መንግስቲ ብሓፈሻ ግብሪ ጥሪትን ሕርሻን ድማ ብፍላይ – ምኽፋል፡ ግቡእካ ብምፍጻም ቀጻልነት ዕዮታትካ ምውሓስ ምዃኑ ኣረዲኡ። እቲ ዓመታዊ ዝእከብ ግብሪ ጥሪትን ሕርሻን፡ ዕማም ምምሕዳራት ምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ክሳብ 2016 ዘይተኣከበ – በቲ ኣቐዲሙ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ታሪፍ፡ ካብ 2017 ግና ብመሰረት ሓድሽ ኣዋጅ ቊጽሪ 178/2016 ከም ዝኽፈል ኣነጺሩ።

ኣብ’ቲ ሓድሽ ኣዋጅ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ብጉጅለ ይኹን ብውልቂ ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ዝነጥፉ – ንሓደ ሄክታር ክሳብ 150 ናቕፋ፡ ከም ገመል፡ ከብቲ፡ ፈረስ፡ በቕሊ፡ ኣድጊን ጤለ-በጊዕን ዝኣመሰላ ጥሪት ከኣ፡ ንሓንቲ፡ ካብ 13 ክሳብ 100 ናቕፋ ኣብ ዓመት ከምዝኸፍሉ ዘርዚሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣሰራርሓ ብሕልፊ ኣብ ምቕባል ዘይተኣከበ ገንዘብ ዝነበረ መድንጓያት ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዮም።

Categories