ኣብ መንደፈራ፡ ንልምዓት ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይን ኣገዳስነቱ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ14 ሕዳር ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጽኡ ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ምምሕዳርን ሚኒስትሪ ሕርሻን ዝተሳተፉዎ ኣስተምህሮ፡ ተኽእሎ ልምዓት ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይን ኣተገባብራኡን፡ ሜላታት ምፍራይ ዓሳ ኣብ ዲጋታት፡ ዓይነትን ብዝሕን ኣብ ጥዑም ማይ ክፈርዩ ዝኽእሉ ዓሳታት፡ ንምህርቲ ዓሳ ጥዑም ማይ ዝጸልዉ ረቛሒታት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መብርሂ ቀሪቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኣልኣሚን ኣሕመድ፡ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣብ 17 ዲጋታት ውልዶ ዓሳታት ናይ ምፍራይ ንጥፈታት ከም ዝተኻየደ፡ ኣብ ዲጋታት ሰመሞን ገርገራን ድማ ኪኖኡ ዝኸይድ ፕሮጀክት ንምትግባር ዝተበጋገሰ ስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ ተራ ምምሕዳራትን ኣካላት ሚኒስትሪ ሕርሻን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ ብግደኡ፡ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣብ 104 ዓበይትን ንኣሽቱን ዲጋታት ልዕሊ 136 ሚልዮን ሜተር ኲብ ማይ ተኸዚኑ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ መስርሕ ምፍራይ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ ንምዕዋት፡ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ደቡብ ኣብ ዘሰላስሎ ስራሓት፡ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ምትሕብባር ክገብር ዘለዎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ጨንፈር ዞባ ደቡብ፡ ንቕሓት መምህራን ኣብ ወለንታዊ ልግሲ ደም ንምብራኽ ኣስተምህሮ ወዲቡ።

ክኢላ ሕክምና ህጻናት ዶክተር ሳምሶን ኣባይን ኣቦ-መንበር’ቲ ማሕበር ኣቶ ኣብርሃም የውሃንስን፡ ንኣገዳስነት ወለንታዊ ልግሲ ደምን ኣገልግሎት ዝተኸዘነ ደም ኣብ ሆስፒታላትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ደም ምልጋስ፡ ምስ ምድሓን ሂወት ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ድማ፡ መምህራን ኣብነታዊ ተራ ክጻወቱ ተላብዮም።

Categories