ኣብ ማእከላይን 2ይን ደረጃ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣፋምቦን ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላን፡ ውጽኢት ትምህርቲ ክብ ንምባል ዝሕግዝ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር ኸሊል ዑስማን ንተመሃሮ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣፋምቦ ኣብ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ በብዓመቱ ዝምዝገብ ዘሎ ዕብየት ዘተባብዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሎሚ ዓመት ዝበለጸ ውጽኢት ንምምዝጋብ፡ ተመሃሮ ብእዋኑ ምድላዋቶም ከጻፍፉ ተላብዩ።

እታ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ዝጸንሐት ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ፡ ሎሚ ዓመት ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቲ ክትህብ ብምጅማራ፡ ኣብ ተመሃሮን ወለድን እፎይታ ከምዝፈጠረት ጠቒሱ ድማ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ተመሃሮ ብፍላይ ካብ ከባቢአን ከይረሓቓ ትምህርተን ክቕጽላ ዓቢ ዕድል ምዃኑ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ 5 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ብመደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ንዝተመዝገቡ ዓወታት ብምዕቃብ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ንምስራሕ ዝሕግዝ ውጥን ንምሕንጻጽ ርክብ ተኻዪዱ።

ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ብርሃነ ደብረጼን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሰመሞ፡ እንዳገርግስ፡ ዓዲ-ብርኩት፡ ፍቕያ-ጨቐምጠን ዓዲ- መኸዳን፡ ኣብ 14 ነቑጣታት ልዕሊ 800 ተመሃሮ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ተሳታፍነት ክብ ንምባል፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ ግቡእ ተራኦም ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።

Categories