ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዘይምኽኑይ እገዳታት ክለዓል ኣለዎ!

 

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ብዛዕባ “ምንዋሕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳታት” ክዝቲ ቀንዩ። ነዚ ዘይርትዓዊ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ንድፈ ውሳነ ረቒቑ እኳ እንተሎ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ገለ ወቕቲ ናይ’ቲ ዓመት “ዳግማይ ክርአ” ዝብል ነጥቢ እውን ኣለዎ።

ከም ዝዝከር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳታት፡ “ኤርትራ ንኣልሸባብ ናይ ሶማልያ ትድግፍ’ያ” ብዝብል ክሲ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 እዩ ሓሊፉ። እዚ ክሲ’ዚ፡ ሓቅነት ኰነ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ፡ ነቶም ቀንዲ ሃንደስቲ ናይ’ቲ ውሳነን ንዝሰፍሐ ክፋል ኣባላት ሕቡራት ሃገራትን ንጹር’ዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ “ንኤርትራ ምቕጻዕ” ዝብል ፖለቲካዊ ኣጀንዳ የሳሲ ስለዝነበረ፡ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋኡ ተጠቒሙ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ጽልግልግ እዋን ድሮ ‘ልደት’ ናይ’ቲ ዓመት ከምዝሓልፍ ገይሩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሃስያ ንምውራድ ዘንቀደ እገዳታት፡ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን እንሆ ሾሞንተ ዓመታት ኣቚጺሩ’ሎ። ሎሚ፡ ዳርጋ ኩለን ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ክሲ መሰረት ከምዘይብሉ ብዘየወላውል ይፈልጣ’የን። ይኹን’ምበር፡ ባይቶ ጸጥታ፡ ነዚ ዘይሕጋዊ እገዳታት ንምንዋሕ፡ ትርጒምን ምትእስሳርን ዘይብሉ ጉዳያት ምልዓልን ምልቕቓብን ቀጺልዎ ኣሎ።

እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብን ዘስደምምን፡ ባይቶ ጸጥታ ነዚ ናይ ምንዋሕ እገዳ ውሳነኡ ንምሕላፍ፡ ነቲ ባዕሉ ዘማህመኖ ምዕራፍ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ምጥቃሱ’ዩ።

ኢትዮጵያ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ’ውን ብመንጎኝነትን ውሕስነትን ባዕሉ ባይቶ ጸጥታ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣልጀርስ ብምጥሓስ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጐቢጣ ትርከብ። ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ምትግባር ኣብ ልዕሊ ዝሓንገደ ወገን፡ ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት መቕጻዕቲ ከምዝብየነሉ፡ ብዘየሻሙ መልክዕ ኣቐሚጥዎ’ዩ። ባይቶ ጸጥታ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥሒሳ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብምጒባጥ፡ ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓቶ ከምዘላ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ’ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ብቐጻሊ ጸቕጢ ኣመሪካ፡ ባይቶ ጸጥታ – ነዚ ቅሉዕ ምግሃስ ኣህጉራዊ ሕጊ እናርኣየ ከምዘይረኣየ ክኸውን መሪጹ። ብኻልእ ወገን፡ ባይቶ ጸጥታ፡ ንሕጋውን ሞራላውን ጉዳይ ኤርትራ ንምህማሽን ኣድህቦ ዓለም ካብ’ቲ ኢትዮጵያ ፈጺማቶ ዘላ ቅሉዕ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ንምጥምዛዝን፡ እቲ ብመሰረቱ ብምምሕዳር ዋሽንግተን ተሃንዲሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ እገዳታት ክቕጽል ወሲኑ’ሎ።

ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ሞራላውን ሕጋውን ግዴታ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ምእራም እምበር፡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ብምፍጣር፡ ነቲ ዘይምኽኑይ እገዳታት ምንዋሕ ኣይኰነን።

 

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ – 13 ሕዳር 2017

Categories