ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ – ምምሕዳራት ከባቢ ኣዩመን፡ ፈረርን ዓሳጋላን፡ ተጠቃምነት ኣብ ትካላት ጥዕና ዘተባብዕ ዕብየት ከም ዘመዝገበ፡ ሓላፊ መደበር ጥዕና ኣዩመን ተሓጋጋዚ ነርስ ኣንሰራ መሓመድ ሓቢሩ።

ተሓጋጋዚ ነርስ ኣንሰራ፡ እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣብታ መደበር ጥራይ ዝተደረተ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ እናተንቀሳቐሱ ዘካይድዎ ጐስጓሳት ኣብ ዓወት ናይ’ቲ ዘካይድዎ ንጥፈታት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣዴታት፡ ኣገዳስነት ምክትታል ቅድሚን ድሕሪን ሕርሲ ብግቡእ ከምእተገንዘባ፡ ነበርቲ ጽሬት ከባቢኦም ንምውሓስ ኮም ዝሰረቱ ከባብያዊ ጽሬት ብዝለዓለ ከምዘካይዱ ኣረዲኡ።

ነበርቲ፡ ሳላ’ቲ ዝካየደሎም ጐስጓሳት፡ ኣፍልጦኦም ክብ ከብሉን ካብ ባህላዊ ሕክምና ክገላገሉን ከምዝበቕዑ ገሊጾም።

መደበር ጥዕና ኣዩመን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዓቕማ ዘፍቅዶ ሓፈሻዊ ሕክምና – ኣገልግሎት ቅድሚን ድሕሪን ሕርሲ፡ ክታበት ህጻናት፡ ከምኡ’ውን ወለንታዊ ምኽሪን ማዕዳን ትህብ።

Categories