ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀን ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ንዝተዋደዱ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት መሪቖም።

እቲ ብ15 ሕዳር ዝተመረቐ ፕሮጀክትታት፡ ዲጋ ባሸሪ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ስርዓተ-ቀረብ ማይ ድገ-ምራድ፡ ከምኡ’ውን ዲጋ ሙሻን መባእታ ቤት-ትምህርቲ ኣጀርበብን የጠቓልል።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ፕሮጀክታት ኣብ ምዕባለ’ቲ ከባብን ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታትን ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ብውሕሉል ኣገባብ ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ጐቦታት ላልምባ፡ ሊበና፡ ሕቡብን ኣፍጭሩቕን ዝወርድ ወሓይዝ ዝውህለለላ ዲጋ ባሸሪ፡ ኣስታት 6.5 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢታት ከምእተገብረላ፡ ነቲ ስራሕ ዝተኸታተለ ኢንጅነር ኣድም ሙሳ ሓቢሩ።

ፕሮጀክት ማይ ድገ-ምራድ ድማ፡ ባስካ፡ ምዝርጋሕ መስመራት፡ ምስራሕ መከፋፈሊን መዐደሊን ነቚጣታት፡ ከምኡ’ውን ምውዳድ ጸሓያዊ ጸዓት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ልዕሊ 3 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝወድአ፡ ኣብ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ተሓጋጋዚ ኢንጅነር ኣቶ መሓሪ ሃብታይ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣጀርበብን ሳንቃን፡ ን366 ስድራ-ቤታትን ኣብ ትሕቲ ዲጋ ሙሻ ንዘልምዑ 25 ኣብነታውያን ሓረስቶትን ከምኡ’ውን ንቤት- ትምህርቲ ኣጀርበብ ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ተዓዲሉን ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉን።

Categories