ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኲላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ.) – ጨንፈር ዞባ ደቡብ፡ ን30 ንኣባላቱ ብዛዕባ ምርባሕ ንህቢ ስልጠና ሂቡ።

እቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተዋህበ ብግብራዊ ስራሕ ዝተሰነየ ስልጠና፡ መሰረታዊ ኣምራት ዓሌታት ንህብን ምሕደራኦምን፡ ረብሓታትን ብልጫታትን ዘበናውን ያታውን ቆፎታት፡ ኣገባብ ምክልኻል ተጻባእቲ ንህቢን ሜላታት ምብዛሕ ዕስለታት ንህቢን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ብ10 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ተስፋልደት መንግስቱ፡ እቲ ስልጠና – ስንኩላን ኣብ ምርባሕ ንህቢ ተዋፊሮም ተረባሕቲ ናይ’ቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸጋታት ንምግባሮም ዝዓለመ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዘበናዊ ቆፎታት ምስ ዕስለታት ንህቢ ብመልክዕ ልቓሕ ክወሃቦም ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣካላት መንግስትን ግንባርን መነባብሮ ስንኩላን ንምምሕያሽ ንዝገብራኦ ኣበርክቶ ብምምጓስ ድማ፡ ሕጽረት ዘበናዊ ቆፎታት፡ ዕስለታት ንህቢን ስምዒን ንምፍታሕ፡ ዝምልከቶ ኣካል ኣቓልቦ ክገብረሉ ጸዊዑ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ ወፍሪ ኣብ እተበግሰሉ እዋን ሞያዊ ፍልጠት ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ስንኩላን ንዝረኽብዎ ስልጠናታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኣበርክቶኦም ከዕብዩ ኣዘኻኺሩ።

Categories