ኣባል ኮርፖረሽን መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ኤርትራ (ፋርሚኮር)፡ ገዲም ተጋዳላይ ወልደሚካኤል ክፍሉ (ወዲ ክፍሉ)፡ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብቕድሚ ትማሊ 10 ሕዳር ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ስውእ ወልደሚካኤል፡ ካብ 1987 ምስ ማእከላይ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ሳግም) ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ኮይኑ፡ ፈለማ ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ብደረጃ ላቦራቶሪ ቴክኒሻን፡ ድሒሩ ብደረጃ ሓላፊ ክፍሊ ላቦራቶሪ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣብ ኮርፖረሽን መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ኤርትራ ብደረጃ ሓላፊ ዕድጊ ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ወልደሚካኤል ክፍሉ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን’ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ ሰንበት 12 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕናን ኮርፖረሽን መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ኤርትራን፡ ብድንገታዊ መስዋእቲ ገዲም ተገዳላይ ወልደሚካኤል ክፍሉ – ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይምነዩ።

Categories