ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ብወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ዝተሰላሰለ መደባት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዕዉት ምንባሩ፡ ብ5 ሕዳር ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተሓቢሩ።

ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሃገራውያን ማሕበራትን ካልኦትን ኣብ ዝተረኽቡ ርክብ፡ ወኪል ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ መሓመድ-ዑመር ዓብደላ፡ ዘሎ ሓያል ጐድኒ ብምዕቃብን ኣብ መስርሕ ዝተራእየ ድኽመታት ብምልላይን ንዝመጽእ ዓመት ዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ንምምዕማም እኹል ምድላዋት ንምግባር፡ ተራ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት መምህር ክፍለ ሰለሙን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ መደብ ካብ 10 ሓምለ ክሳብ 13 ነሓሰ ኣብ ትሸዓተ ንኡሳን ዞባታትን 46 ነቚጣታትን ከም እተተግበረ ብምሕባር፡ ዝተዓመ ስራሕ ብመንጽር ዝነበረ ውጥን ኣድማዒ ምንባሩ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ግና ዝያዳ ውህደትን ዓጸፋ ጻዕሪን ክግበር ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ወፍሪ፡ ኣብ ምስራሕ ከትሪታትን ዛላታትን፡ ምጽጋን ጽርግያታት፡ ምስራሕ ጋቢዮናት፡ ምግራብ፡ ጽሬት ከባቢ፡ ከምኡ’ውን ምእካብ ግብሪ ተለቭዥን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ልዕሊ 34 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ ከም እተተኽለ፡ ካብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

Categories